Emmanuel Eritrean Church Pentagon Virginia

The Light House of Faith Hope and Love at Metropolitan area Washington DC

Home

Beleafs

Vision ራኢና

Mission/ተልእኾ

core value

Direction/ ሓቤሬታ

Direction/ ሓቤረታ

Mapquest

Songs/ መዝሙር

Salvation/ ድሕነት

4 steps to Salvation

Jesus movie T/ቪዶ የሱስ ትግርኛ

Tigrinya Bible መ/ቅዱስ ትግርኛ

Tigrinya Audio Bible

English open Bible

Amharic Bible

Amharic Bible Search

Arabic holy Bible መ/ቅ ዓረብ

Eritrean in DC Community

Free Email Geez Tigrinya

photos/ስእሊ

Contact Us/ ተወከሱና

Links

Devotion

Prayer

Christmas

 
ካብ ዝሓለፈ ዝቐጸለ
ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ፡ ልዕሊ ኹሉ ንልብኻ ሓልዎ  (ምሳለ 4፡23)
ልቢ ብኸመይ ትዕዘቦ?
ንልብኻ ብኸመይ ትሕልዎ? ካብ መንከ ትሕልዎ
           
 ሰብ ቅኑዕ ዘይኰነ ተግባር ክገብር ከሎ ልቢ ይሽበር።
·         ሰብ ኣብ ሓቅን ጽድቂ ኣምላኽን ከምዘሎ ልቢ ይምስክር።

·         ከምቲ ዝግበኦ ንዘይነብር ሰብ ድማ ልቢ ይነቕፍ ።

·         ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ልቢ ይረትዕ ። ግብ
2:37
·         ልቢ ኣዒንቲ ኣለዎ። ምሳ 27:19 ,ኤፌ
1:18
·         ልቢ ህይወት ኣለዎ ። መዝ
22:26,
·         ልቢ ናይ ምስሓብ ሓይሊ ኣለዎ ። እዮ
15:12
·         ሰብ ክስሕቅ ከሎ ልቢ ክጕሂ ይኽእል’ዩ ። ምሳ
14:13
·         ሰብ ክሓዝን ከሎ ድማ ልቢ ክሕጐስ ይኽእል’ዩ ። መክ
7:3
·         ሰብ ዋላ እኳ እንተደቀሰ ልቢ ንቑሕ ኢዩ ። መሃ
5:2
·         ግፍዒ ኣብ ልቢ’ዩ ዝሕሰብ ። ምሳ
24:1-2
·         ትዕቢት ኣብ ልቢ’ዩ ዝጅምር ። ዳኒ 8:25, ምሳ
18:12
·         ረሲእነት ካብ ልቢ’ዩ ዝብገስ ። እዮ
36:13
                                        ኣምላኽ ዝፈትዎ ልቢ
  
ዝእዘዝ ልቢ             ሕጉስ ልቢ                     ፍጹም ልቢ  
 ቅኑዕ ልቢ               ልስሉስ ልቢ                      እሙን ልቢ 
 
 ንጹህ ልቢ              ስቡር ልቢ                     ጽሩይ ልቢ 
 
ቅጥቁጥ ልቢ                ንቃል ኣምላኽ ዝፈርህ  
ትሑት  ዓቃል ልቢ    
ድቁስ ልቢ                                                           ግሩህ ልቢ
  
                            ኣምላኽ ዝጸልኦ ልቢ  
ተሪር ልቢ            ጽልኢ ዝተመልአ ልቢ                ተጻራሪ ልቢ

ትዕቢተኛ ልቢ                 ዝተጠበረ ልቢ                    ክልተ ልቢ
 
 ውግእ ዘለዎ ልቢ             ቄናን            እኩይ ምኽሪ ዝፍሕስ ልቢ

ተንኰለኛ ልቢ           ጠዋይ ልቢ                           ጨካን ልቢ 
 
ተጸባጻቢ ልቢ              ሕሉል ልቢ                     ህልኸኛ
ልቢ
ዘማዊ ልቢ                                                         ብልሽው ልቢ
 

ደቂ ሰባት ንልቢ መርሚሮም ንኽፈልጡ ኣይክእሉን፡ በዚ እዩ ሰብ ኣብ ሽግር ክወድቕ ከሎ እትርእዩ። ዝኣመኖ ክኽሕድ ከሎ፡ ክጠልም ከሎ፡ ልቢ ይጉሂ ይስበር፡ ይግረም፡፡ ኣምላኽ ግን ኣይግረምን ኣቐዲሙ ኩሉ ሰለ ዝፈልጥ፡፡ ንሰብ ብዙሕ ግዘ ምሳኡ ብምውሳድ እውን ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ እቲ ሓቂ ኣዚ እዩ ሰብ ናይ ወጻኢ እዩ ዝፈልጥ፡ ልቢ ግን እንተ ንጽቡቕ እንተ ንኽፉእ ተለዊጡ ክሓድር ይኽእል ስለዝኾነ፡፡ በዚ ድማ እዩ ጎይታ ካብ ሰብ ተጠንቀቑ ዝበለ፡ ገርህታት ከም ርግቢ ጎራሓት ድማ ከም ተመን ኩኑ ዝበለ፡፡

ልቢ ኣዝዩ ጎራሕን ተንኮለኛን እዩ፡፡ ንሰብ ምስ ብጻዩ ብሓሶት ተጣቢቡ የባእስ ይፈላሊ፡ እኩይ ምኽሪ ይመክር። ብግዝያዊ ጠቕሚ ይድለል ይዕሾ፡ ይኹን እምበር ደቂ ሰባት ክፈልጥዎ ዘለዎም ነባራዊ ሓቂ እግዝኣብሄር ብጻይ ቅኑዕ ምኻኑ እዩ፡፡ዝምካሕ ብእግዝኣብሄር ይመካሕ፡፡ ሰብ ግና ዘዝዘርኦ ክዓጽድ እዩ፡ እግዛኣብሄር ኣይዕሾን፡ ንእኩይ ልቢ ብጋህዲ ዝቐጽዕ ኣምላኽ እዩ፡፡ (ገላትያ 6፡7-9)
ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ እሞ፡ ኣይትጠበሩ፡ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስጋስ ጥፍኣት ኪዐጽድ እዩ፡ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዚዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዐጽድ እዩ። እንተ ዘይተጸልኣናስ፡ ብጊዜኡ ኽንዐጽድ ኢና እሞ፡ ንሰናይ ግብሪ ኣይንሰልኪ።

  1. እግዚኣብሄር ኣብ ልቢ እቲ ምኽሩ ንምፍጻም ዝሓረዮ ሰብ ሓሳብ ከአቱ ይኽእል: ግብ 7:23    ንኣብነት: ሙሴ፡ ንእያሱ፡ ንጳውሎስ፡ ንዳዊት….
  2. ስይጣን እውን ነቲ ክፉእ ዕላምኡ ንምፍጻም ሓሳቡ ኣብ ልቢ ሰብ’ዩ ከአቱ ዝደሊ። ዮሃ 13:2
         ንኣብነት: ይሁዳ ኣስቆሮታዊ, ሃናንያን
    ስጲራን ግብ 5:3
     

እግዚኣብሄር ብዛዕባ ልቢ ዝህበና ምኽሪታት
1.   ልብና ከይሽበርን ከይፈርህን ።ü ዘዳ 20:3-4, ዮሃ 14:1,27
2.   ልብና ብእግዚኣብሄር ክሕጐስ ። 1ዜና 16:10ü
3.   ልብና ክንምርምር ።ü መዝ 4:4
4.   ልብና ክብርትዕን ቀጥ ክብልን መዝ 27
 5.   ተስፋና ኣብ እግዚኣብሄር ብምግባር ልብናü ክነጽንዕ ። መዝ 31:24
6.   ኣብ ሃብቲ ልብና ከይነውድቕ ። መዝ 62:10
7.   ኣብ ኣምላኽ ክንውከልን ኣብü ቅድሚኡ ልብና ከነፍስስን ። መዝ62:8
8.   ልብና ንምዝራብ ከይቅልጥፍ ። መክ 5:2-3
9.    ጓሂ ካብ ልብናü ከነርሕቕ ። መክ 11:10
10.  ብምሉእ ልብና ብጐይታ ጸኒዕና ክንነብር ። ግብ 11:23-24
ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ልቢ ዝህቦ መጠንቐቅታታት

•
    ልቢ ከይዕበ ። ዘዳ 8:14,17, 9:4,5,17:19-20
•
    ልቢ ከይስሕት ። ዘዳ 11:16-17, 17:17
•
    ልቢ ሓሳብ ብልያል(ሰይጣን) ከይህልዎ ። ዘዳ
15:9
•
    ብልቢ
ይቕረ ክንብል ። ማቴ 18:35
•
    ልቢ ርኹስ ነገር ከይምነ ። ምሳ 6:25-26, ማቴ
5:28
ቃል ኣምላኻዊ መግለጺ ብዛዕባ ልቢ

   ምንጪ ህይወት እዩ ። ምሳ 4 :23,20:5
   ልቢ
ዓሚቕ ኢዩ ። መዝ 64:6, ምሳ 20:5
  
ካብ ኩሉ ጐራሕን ኣዚዩ ሕሱምን እዩ ። ኤር 17:9

Emmanuel Eritrean Church  P.O.Box 42005 Arlington VA 22204.  Tel 703-979-0065